Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ እንትነኽብር ፀረ ኢትዮጵያ ሓይሊታት ክሳዶም ዝደፍኡሉ ከምዝኾነ ብምሕሳብ ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ እንትነኽብር ፀረ ኢትዮጵያ ሓይሊታት ክሳዶም ዝደፍኡሉ ከምዝኾነ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር እዚ ዝበሉ ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ “ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዝተማልአ ሉኡላዊነት ንብራኸ ሰንደቕ ዓላማና!” ብዝብል መሪሕ ቃል መበል 14 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ኣብ ዘኽበሩሉ እዋን ኢዩ።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ እዋን፥ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንኽብሪ ሰንደቕ ዕላማ ሃገሩ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ስራሕ ዕዉት ስራሕ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

መበል 14 ግዘ ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኩለን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት፣ ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ወታደራዊ ካምቦታት፣ ኤምባሲታትን ካልኦት ትካላትን እናተኸበረ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረሐብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.