Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኮሪያ ንዘበናዊ መቆፃፀሪ ቆፎ ንህቢ ዝኸውን ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ ንዘበናዊ ማሽን መቆፃፀሪ ቆፎ ንህቢ ዝኸውን ንኒስቴር ሕርሻ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

እቲ ማሽን ኣብ ልዕሊ ኣናህብ ዝኾነ ይኹ ሓደጋ እንተየስዐበ ዝባፅሐ መዓር ጥራሕ ካብ ቆፎ ንምውፃ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ክብደት እቲ ማሽን ቀሊል ስለዝኾነ፥ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስን ንኣጠቓቕማ ምቹው ስለዝኾነ ዝኾነ መራብሒ ንህቢ ብቐሊሉ ክጥቀመሉ ከምዝኽእልን ተሓቢሩ፡፡

ንፈተነ ዝመፅ ማሽናት ናብ ማእኸል ምርምር ሆለታ፣ ማእኸል መሰልጠኒ መራብሒ ንህቢ ያዩን ሸካን ተላኢኹ ኣብቲ ዓውዲ ንዝተዋፈሩ ሰብ ሞያታት ብፈተነ ምስተረጋገፀ ደሓር ውልቀሰባት፣ ሰብ ሃፍቲን ማሕበራትን ገዚኦም ንኽጥቀሙሉ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ዶክተር ፍቅሩ ረጋሳን ተወከልቲ ደቡብ ኮሪያን ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝተኻየደ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.