Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን 20 ሚሊየን ብር ቦንድ ዓዲጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን 20 ሚሊየን ብር ዕድጊት ቦንድ ፈፂሙ።

እቲ ሓገዝ ዕድጊት ቦንድ፥ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ተረኪቦምዎ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወፃ ሃገራት ዝርከቡ ኢትዮያውያን ብዘለዎም ዓቕሚ ኩሉ እናገበሩዎ ዝርከቡ ሓገዝ ንኸጠናኽሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር ሓቲቶም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ኣይተ ረሻድ ከማል ብግደኦም፥ እቲ ትካል ሃገራዊ ፕሮጀክት ንዝኾ ግድብ ህዳሰ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ናይ 20 ሚሊየን ብር ቦንድ ዓዲጉ ከምዝነበረ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.