Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማእኸላይ ምድብ ኣየር ብኣፈፃፅማ ስረሖም ዕዙዝ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ኣባላት ሰራዊት ዕቤት መዓርግ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸላይ ምድብ ኣየር ብኣፈፃፅማ ስረሖም ዕዙዝ ውፅኢት ንዘመዝገቡን ፃንሒት እዋኖም ዝሸፈኑን ኣባላት ሰራዊት እቲ ምድብ ኣባላት ሰራዊት ዕቤት መዓርግ ሂቡ።

ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ንሎጂስቲክስ ብርጋዴር ጀነራል ነገራ ለሊሳ፥ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዝፈፀሞ ወራር ኣብ ምምካት ሓይሊ ኣየር ልዑል ጅግንነት እናፈፀመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ወፍሪ ዕዉት ንኽኸውን ማእኸላይ ምድብ ኣየር ዘበርከቶን እናበርከቶ ዝርከብ ኣስተዋፅኦ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣዛዚ ምድባ ኣየር ማእኸላይ ኮሎኔል ወንዱ ኬዳ ብግደኦም፥ እቲ ምድብ ኣየር ህወሓት ኣብ እዚ ሰሜንን ኣብ ምድብ ኣየር ሰሜንን ኢሉ እውን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝፈፀሞ ወራር ብምምካት ዘኹርዕ ወፍሪ እናመዝገበ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ተሸምቲ እቲ መዓርግ ብግደኦም፥ ዝተውሃቦም ሽመት ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተጀመረ ወፍሪ ኣጠናኺና ንኽንቅፅል ምንቕቓሕ ዝፈጥረልና ኢዩ ምባሎም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.