Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ትሰጋገረሉ በዓል ሽመት ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ሓይሊ ግበረ ሓይሊ ፀፅታ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ብሰላም ንኽዛዘም ነበርቲ እታ ከተማ ንዘርአዩዎ ጭዋነት ሰናይ ዝተመልኦ ምትሕብባር ሓይሊ ግበረ ሓይሊ ፀፅታ ኣፍሊጡ ኣመስጊኑ።

እቲ ግበረ ሓይሊ ከምዝሓሮ፥ ምስ ፖሊስ ፌዴራል፣ ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ኣቐዲሙ ትልሚ ብምውፃእን ሕብረተሰብ ብምትሕብባርን ዝተሰርሑ ተግባራት ውፅኢት ኣምፂኡ ኢዩ፡፡

ትማሊ ዝተሳለጠ ሓዱሽ ምዕራፍ በዓል ሽመት ብሰላም ከምዝተዛዘመ እውን እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ስነ-ስርዓት ብሰላም ተጀሚሩ ንኽዛዘም ብፍፁም ሞያዊ ብቕዓት ሓላፍነቶም ንዝተዋፅኡ መላእ ኣካላት ፀፅታን ደላዪ ሰላም ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ልዑል ምስጋና ኣቕሪቡ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.