Fana: At a Speed of Life!

ሽመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን ሽፋን መራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ምምራፆም ዓለም ለኸ ሚዲያታት ሽፋን ሂቦምዎ።

ኣልጀዚራ፣ ቢቢሲ፣ ቲ ኣር ቲ ወርልድን ኣፍሪካ ኒውስን ኣብ ፊት ገፆም፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ክሳብ ዝቕፅሉ 5 ዓማውቲ ዘፅሖም ሽመት ቀዳማይ ሚኒስትርነት ምርካቦም ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ናብ ስልጣን ምምፀኦም ዝሓበሩ እቶም መራገኸብቲ ሓፋሽ፥ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዴሞክራሲ እታ ሃገር ልዑል ግደ ከምዝነበሮም ፀብፂቦም፡፡

በዚ ድማ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ከምዝኾኑ እውን ኣዘኻሮም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ቀዳማይ ጉባኤ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ከምዝተመረፁ ገሊፆም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.