Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዝኸውን 650 ሺሕ ዝግመት ሓገዝ ዓይነት ገይረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብፅሕፈት ቤተን ኣቢለን ብምኅንያት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዝኸውን 650 ሺሕ ዝግመት ሓገዝ ዓይነት ገይረን።

እተን ፕሬዚዳንት፥ መንግስቲ ካብ ዝገብሮ ኩለመዳይ ሓገዝ ብተወሳኺ ብውልቀን ሓገዝ ንምግባር ቃል ከምዝኣተዋ ይዝከር።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸውን መሐለዊ ፅሬት፣ ክዳውንቲ፣ ሃነፅቲ ምግቢታት፣ ሳኒታያዘርን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ገይረን።

ፕሬዚዳንት ሳክለወርቅ፥ ቀንዲ ስራሕ መንግስቲ ንዜጋታት ካብ ሓደጋ ምክልኻልን መሊስካ ምጥያሽን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዜጋታት ናብ ሰላማዊ ናብረኦም ንኽለሱ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ተዛሪበን።

ዳይሬክተር ምምሕዳርን ፋይናንስን ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ኣይተ ዮናስ ተረፈ፥ እቲ ሓገዝ ምስ ቀይሕ መስቀል ብምትሕብባር ዝተረኸበ ከምዝኾነ ብምሕባር 650 ሺሕ ብር ዝግመት ሓገዝ ዓይነት ኢዩ ምባሎም ትፕኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.