Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ኣዋሽ ቢሾላ ን2ይ ዙር ዝስልጠኑ ምልምል መናእሰይ ስነ-ስርዓት መጀመሪ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ኣዋሽ ቢሾላ ን2ይ ዙር ንምስልጣን ዝኸተቱ ምልምል መናእሰይ ስነ-ስርዓት መጀመሪ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ፥ ላዕለዋይ መተሓባበሪ ወታደራዊ መሰልጠንቲ ኣዋሽ ቢሾላን ቡልቡላን ናይ ክብሪ ጋሻ ሌተናል ጀነራል ዲሪባ መኮንን ተረኺቦም መምርሒ ስራሕ ሂቦም።

እቶም ጀነራል መኮንን መምርሒ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሐሎም እዋናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዒ እናፈፀመ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ንብረት ህዝቢን መንግስቲን ካብ ምዝራፍን ህፃናት ካብ ምድፋርን ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ እንስሳት እውን ጭካነ ዝተመልኦ መቕተልቲ እናፈፀመ ከምዝርከብ ገሊፆም።

“መንግስቲ ናይዚ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምፍሻልን ሕጊ ንምኽባርን እናወሰዶ ንዝርከብ ወፍሪ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ብምፅባር ትፅቢት ዝግበረልኩም ንምብርካት ስለዝመፃእኹም ናእዳይ ይገልፅ” ኢሎም፡፡

ዋና ኣዛዚ ማእኸለር መሰልጠኒ ኣዋሽ ቢሾላ ኮሎኔል ተረፈ ጩሪሶ ብግደኦም፥ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ዝህልዎም ፃንሒት ዝወሃብ ወታደራዊ ስልጠና ብህልኽን ሞራልን ብምስልጣን ሃገር ናይ ምድሓን ዕላማ ኣብ ሽቱኡ ከብፅሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ ብኣፈፃፅማ ስረሖም ውፅኢት ንዘመዝገቡን ፃንሒት እዋኖም ንዝሸፈኑን ኣባላት ሰራዊት፥ ብሌተናል ጄነራል ድሪባ መኮንን ምልባስ መዓርግ ከምዝተፈፀመሎም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.