Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ንዝፍጠር ፀገምን ጥሜትን ተሓታቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢዩ – ዶ/ር አረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ ትግራይ ንዝፍጠር ፀገምን ጥሜትን ተሓታቲ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ክኸውን እናተገበአ ናብ መንግስቲ ፌዴራል ምስባብ ዝግበር ፃዕሪ ተቐባልነት የብሉን” ክብሉ ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ ዶክተር አረጋዊ በርሀ ገሊፆም።

ነባር ምሕዝነት ምኽንያት ብምግባር ርዳእታ ምትእጉጓን ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ንምፍጣር ምፍታን ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

ዶክተር አረጋዊ በርሀ ምስ ግዜኢ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓማውቲ ኣብ ስልጣን እንትፀንሕ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝነበሩ ህዝቢታት ስቓይን መከራን ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

እቲ ጉጅለ ሃፍቲታት ኢትዮጵያ ካብ ምቁፅፃርን ምዝራፍን ሓሊፉ ንሕቶ ልምዓትን ፍትሒን ህዝቢ ትግራይ ከምዘይመለሰ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ዝተሓላለኸ ፖለቲካ፣ ፀገም ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ኩሉ ቀንዲ ተሓታቲ ባዕሉ ጉጅለ ህወሓት ከምዝኾነ ዶክተር ኣረጋዊ ገሊፆም።

ተግባራት እቲ ግብረ ራዕዲ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ዝተሓብአ ኣይኹን እምበር ሓይሊታት ወፃኢ ንተግባሩ ኣብ ክንዲ ምኹናን፤ ንዑኡ ደጊፎም ጠጠው ምባሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምቕላድ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር ናብቲ ክልል ዝተለኣኻ ተሸከርከርቲ ክተርፋ ብምግባር፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ንኲናትን ዘረፋን ክውዕሉ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣካላት ምምሕዳር መንግስቲ ኣሜሪካ ቅድም ክብል ምስ ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዝነበሮም ምሕዝነት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተገበአ ፅዕንቶ ንምብፃሕ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝተመረፀ ሓዱሽመንግስቲ ዘይተገበአ ፅዕንቶ ንምፍጣር ምፍታን ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.