Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልዕሊ 50 ተንቀሳቐስቲ ጉጅለ ጥዕና ተዋፊሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ሰብኣዊ ሓገዝቲ ብምውዳድ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልዕሊ 50 ተንቀሳቐስቲ ጉጅለ ጥዕና ከምዝተዋፈሩ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ኮሚቴ ሚኒስትራት ማእኸል መተሓባበሪ ብሄራዊ ህፁፅ እዋን ሰሙናዊ ኣኼቡኡ ኣካይዱ፡፡

ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝተጣየሹ ማእኸላት መውሀቢ ህፁፅ እዋን እናተውሃቡ ዝርከቡ ተግባራት ፀብፃብ ቀሪቡ ኣፈፃፅምኡ ተገምጊሙ፡፡

ኣብተን ክልላት ፍሉይ ትኹት ዝደልዩ ከባቢታት እናተሳለጡ ዝርከቡ ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ መሰረታዊ ጥዕና፣ ቀረባት ኣገልግሎት ማይን ንፅህናን ከምኡ እውን ንህፃናት፣ ኣዴታትን ኣረጋውያንን ዝኸውን ቀረብ ሃናፂ ምግቢ እናተገበረ ዝርከብ ፃዕሪ ካብ እዋን ናብ እዋን ምምሕያሽ ዘርአየ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ፍትሓዊነት፣ ተበፃሕነት፣ ውፅኢታዊ ዝተዋደደ ስራሕ፣ ፆታዊ ጥቕዓት ንዝተፈፀመለን ደቂ ኣንስትዮ ማእኸል እግሪ መትከሊ ምጥንኻርን ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተገበረ ዝርከብ ክትትል ንኽመሓየሽ ኣንፈት ተቐሚጡ፡፡

ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ዜጋታት ካብ ምድጋፍ ጎና ጎድኒ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ንፀገም ዝተቓልዑ ዜጋታት ንምብፃሕ ዝተጀረ ስራሕ እውን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ተባሂሉ፡፡

በቲ ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ዝዓነዉ ትካላት ብግዚያዊነት ህፁፅ ኣገልግሎት ንኽህቡ ናይ ምግባር ስራሕ እውን ተጀሚሩ ኢዩ፡፡

ኣብ ትካላት እናተውሃቡ ካብ ዝርከቡ ኣገልግሎታት ጥዕና ብተወሳኺ በቲ ዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት ብምግባር ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣካላት ብምውዳድ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ጉጅለታት ጥዕና ተጣይሾም ኣብ ክልቲአን ክልላት ተዋፊሮም ተባሂሉ፡፡

ናብ ክልል ትግራይ ኣቲየን ዘይተመለሳ ናይ ፅዕነት ተሸከርከርቲ ብቐረባ ክትትል እናገበረ ከምዝርከብ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ስለዝተረኣየ ነፀጋ ኬሚካልን ቀረብ መሳርሒታትን እናተገበረ ከምዝርከብ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.