Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጎንፂ ምንባር ህልውንኡ ዝገበረ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝገብሮ ጎስጓ ኲናት ከምዝቐፀለሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጎንፂ ምንባር ህልውንኡ ዝገበረ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝገብሮ ጎስጓ ኲናት ከምዝቐፀለሉ ዘርኢ ቪዲዮ ኣብዚ ሰሙን ወፂኡ ኣሎ።

ኣመራርሓታት ዕጡቓት እቲ ግብረ ራዕዲ ከምዝኾኑ ዝዝረበሎም ውልቀ ሰባት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ጉጅለ ሕዚ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኲናት ንኽትፀንሕ ዝገብር ምድላው ከምዘለዎም ብዕሊ ተዛሪቦም ኢዮም።

“ንገብሮ ዘለና ምድላው ዘበን ዝሳገር ምድላው ኢዩ” ዝበሉ እቶም ውልቀ ሰባት፥ ወታደራዊ ምድላው እናገበሩ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ህፃናት ናብ ኲናት ብምውፋር ካብ ሞራልን ተሓላቕነት ህዝቢን ብዝረሓቐ መንፈስ ሕዚ እውን ኣብ ጎንፂ ናይ ምፅናሕ ድሌት ከምዘለዎ ብዕሊ ኣውፂኡ ኢዩ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ህፃናት ናብ ኲናት ምእታዉ፣ ህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ፀገም ክቃላዕ ምግባሩን ንዘካይዶ ተግባር ግብረ ራዕዲ ድጋፍ ህዝቢ ንምርካብ ተቐባልነት እናስአኖ ከምዝኾነ ብቕሉዕ ምውፅኡ ፍልፍላት ክገልፁ ጀሚሮም።

ካብዚ ዝተለዓለ ድማ እቲ ጉጅለ ካብ ዝኣተዎ ተግባር ግብረ ራዕዲ ክወፅእ ኣብ ሞንጎ ዝደልዩን ተግባሩ ክቕፅል ዝደልዩን ኣመራርሓታት ክሳብ ምቅታል ዝበፅሐ ዘይምስምዕማዕ ተፈጢሩ ኢዩ።

መግለፂ ናይቲ መግለፂ እውን ምስ ምውፃእ እቲ ምስጢር ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

መግለፂ ዘሃቡ ሰባት ዝበፅሖም ስዕረት ንምሽፋን “ብፖለቲካይኹን፣ ብሕጊ፣ ብሞራል ህዝቢና፣ ብዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ብዙሕ ርሕቐት ከይድና ኢና፣ ብወታደራዊ ዓቕሚ እውን ኣብ ዝሐሸ ብርኪ በፂሕና ኢና” ክብሉ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ኣጋዊሖም።

ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝካየድ ወፍሪ ህልውና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተሃቀነ ወፍሪ ብምምሳል እውን “ህዝቢ ትግራይ ንኽጠፍእ ይፈረደሉ እምበር ብዘካየዶ መሪር ቃልሲ ሓደ ዓቢዪ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ኢዩ” ክብሉ ንህዝቢ ብምድላል ንመስዋእትነት እናሰናድኡዎ ከምዝኾነ ግልፂ ይገብሩ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ጨፍጫፊ ህሓት “ንህዝቢ ትግራይ መስዋእትነት ይኸፍል ኣሎ” ብምባል ህዝቢ ብሽሙ እናነገደ ዘብፀሐሉ ስቓይ ብምሽፋን ንምጭብርባር ይፈትኑ እምበር ኣብ መቐለን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይን ዝነብር ህዝቢ፣ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ክሳብ ሰልፊ ዝበፅ ተቓውሞ ነቲ ጉጅለ ዘለዎም ፅልኢት እናገለፀ፣ በቲ ጉጅለ ድማ መቕተልቲ እናበፅሖ ከምዝርከብን ፍልፍላትና ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.