Fana: At a Speed of Life!

ኮሌጅ ፖሊ ክኒክ ሜ/ጀ ሙሉጌታ ቡሊ ዕቤት መዓርግ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌጅ ፖሊ ክኒክ ሜጀር ጀነራል ሙሉጌታ ቡሊ ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሓለፋ ዝነበሮምን ፃንሒት እዋኖም ዝዛዘሙን ኣባላት ዕቤት መዓርግ ሂቡ።

ካብ ላዕለዎት መኮንናት ክሳብ በዓል ካሊእ መዓርግ ዝተሾሙ 75 ኣባላት ሰራዊት፥ ናይ ክብሪ ጋሻ ዋና ሓላፊ መምርሒ ሕብረት ስልጠና ሌ/ጀ ይመር መኮንን፣ ኣዛዚ እቲ ኮሌጅ ኮ/ል አበበ ዋቅሹማን ምክትል ኣዛዚ እቲ ኮሌጅ ንሃፍቲ ሰብ ኮ/ል ኣለማየሁ ሰበቡ መዓርግ ኣልቢሶም።

ዋና ሓላፊ መምርሒ ሕብረት ስልጠና ሌ/ጀ ይመር መኮንን ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ “ዕቤት መዓርግ ተወሳኺ ሓላፍነት ሃገር ብምዃኑ እንኳዕ ደስ በለኩም” ኢሎም።

ኣብቲ ትክላ ክሳብ 40 ዓመት ብምግልጋል ኣፍልጦ ዝተውሃበኩም ንሕና እውን ካባኹም ተማሂርና ትካልና ብተኣማንነትን ክነገልግል ኢና ኢሎም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምልባስ መዓርግ ካብቲ ኮሌጅ ብኽብሪ ዝተሰናበቱ ኣባላት ሰራዊትን ሲቪላትን ምስጋናን ኣፍልጦን ከምዝተውሃበ ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.