Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ዝቕፅል ዓመት ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ንኸዳሉ ተሰይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ቱሪዝም ንኹለመዳይ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ክልል ሲዳማ እናተኸበረ ዝቐነየ መዓልቲ ቱሪዝም እንትዛዘም ዝቕፅል መዓልቲ ቱሪዝም ክልል ቤኒንሻንጉል ንኸዳሉ ተሰይሙ።

ኣብ ክልል ሲዳማ ዝተኸበረ በዓል መዓልቲ ቱሪዝም እዚ ዓመት፥ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተጀመረ ልምዓት መባፅሕቲ ቱሪዝም ገበታ ንሃገር ስዒቡ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሊዳሞ ኣብ ክልል ሲዳማ ብተመሳሳሊ ሓደሽቲ መባፅቲ ልምዓታት ብምጅማርን ብፍሉይ ክትትል ብምምራሕ ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ሽልማት ፅዋዕን መዓርግ ኣምባሳደርነት ቱሪዝምን ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሩዚምን ተበርኪቱሎም፡፡

እቲ መዓልቲ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት እንትኽበር፥ ኣብ ዓውዲ ቱሩዝም ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ 27 ተዋሳእቲ ኣፍልጦን መበረታትዒን ተዋሂቡዎም፡፡

ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም፥ ብብርኪ ሃገር ንመበል 34 ግዘ ብብርኪ ዓለም ድማ ንመበል 42 ግዘ ተኸቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.