Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚነስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)  ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚነስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ሱብህራህማን ጃይሻንካር ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ግድብ ህዳሰን እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገርን ዘተኮረ እንትኸውን፥ ናይ ሓባር ተረባሕነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ሃነፅቲ ሓሳባት ተለዋዊጦም።

ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያን ብዝምልከት  ህንዲ ዝገበረቶ ድጋፍ ኣይተ ደመቀ ንኢዶም።

ኣይተ ደመቀ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኣብቲ ምክር ቤት ህንዲ ዝነበራ ቅዋምን ድጋፍን ብምምስጋን፥ ኣብ ካልኦት ናይ ሓባር ድልየታትን ጠቐምቲ ዓውዲታትን ምውዳድና ክጠናኸር ይግባእ ምባሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃአ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.