Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዳመራ ሰላማዊ ኮይኑ ንክኽበር  ህዝበ ክርስቲያን ኩለ መዳይ ምትሕብባርነእ ድጋፍን ንክገብር ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ፃውዒት ኣቕሪባ

በዓል ዳመራ ሰላማዊ ኮይኑ ንክኽበር  ህዝበ ክርስቲያን ኩለ መዳይ ምትሕብባርነእ ድጋፍን ንክገብር ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ፃውዒት ኣቕሪ

ኣዲስ አበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ዳመራ ሰላማዊ ኮይኑ ንክኽበር  ህዝበ ክርስቲያን ኩለ መዳይ ምትሕብባርነእ ድጋፍን ንክገብር ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ፃውዒት ኣቕሪባ።

እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ሓድነት፣ ፍቕርን ስምምዕነትን መግለፂ ኢዩ ዝበለት እታ ቤተክርስቲያን፥ ብስላም ንክኽበር ብኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ዝወሃቡ መልእኽቲታት ምክትታልን ምትግባርን ከምዝግባእ ገሊፃ።

ብፍላይ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝጓዓዙ  ምእመናን ኣካላት ፀፅታ ንዝገብርዎ ተፈቲሽ ፍፁም ተሓባበርቲ ብምዃን ግብረ ራዕዲ ምክልኻልን ዘጠራጥሩ ምልክታት እንተጋጥሙ ንኣካላጥ ፀጥታ ሓበሬታ ብምሃብ  ክርስቲያናዊ ጨዋነት ዝተላበሰ ምትሕብባር ተሳትፎ ምግባር ይግባእ ኢላ።

ኩሎም መርህታት መከላኸሊ ኮቪድ 19 ብምኽባርን ብምፍፃምን ህይወት ደቂ ሰባት ምሕላው ከማዝግባእ እውን ገሊፃ።

“ልዑል እግዚአብሔር እቲ በዓል ናይ ሰላም ፣ ደስታ፣ ፍቕሪ ፣ ሓድነትን ስምምዕነትን ይግበረልና” እንትትብል ኦርቶደክስ ቤተክርስቲያየን ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪባ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.