Fana: At a Speed of Life!

ውፅኢታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ንዘለዎም ኣባላት ሰራዊት ናይ ማዕርግ ዕብየት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዋና መምርሒ ኣመራርሓ ሓይሊ ሰብ ሕብረት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ መፅንሒ ጊዜኦም ንዝሸፈኑን ውፅኢታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ንዘለዎምን ኣባላት ሰራዊት ናይ ማዕርግ ዕብየት ተዋሂቡ።

ሓላፊ እቲ መምርሒ ሜ/ጄ ሃጫሉ ሸለመ ነቶም ኣባላት መዓርግ ኣልቢሶም።

ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሎም ናብ ሰራዊት ንዝተሓወሱ ኣተሓሕዛ ሓይሊ ሰብ፣ ናይ ምደባ ቦታ ፣ ከይዲ ኣወሓህባ መታወቂያን ናይ ኣባላት ናይ ሳይኮሜትሪ  ምዘና ከምኡውን ብዙሓት ስራሕቲ እቲ ዋና መምርሒ ዝፍፅም ብምዃኑ ኣብ ቀፃሊ ብዙሕ ስራሕ ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም።

እቶም ተሸወምቲ፥ ንዕብየት መዓርግ ብምብቅዖም ከምዝተሓጎሱ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ንዝብን ሃገርን ናይ ህይወት መስዋእትነት ንምኽፋል ድልዋት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.