Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ዝገብረኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ክብ ንምባል ድሌት ኣርኢየን – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎና ጎድኒ መበል 76 ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ምድንጋር ዘለዎም ወገናት ግንዛብ ኣብ ምሃብ ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ኣብ ናይ ትማሊ ምሸት ፋና 90 ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝመርሑዎ ልኡኽ ምስ መራሕቲ ቬኒዝዌላ፣ ጋቦን፣ ኣየርላንድ፣ ኖርወይ፣ ዴንማርክን ኬኬኒያን፣ ከምኡ እውን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳንን ሚኒሰስትር ጉዳያት ወፃኢ ሴራሊዮንን ተዛቲዩ ኢዩ ኢሎም።

ልዑኩ ከሌሎች አለም አቀፍ ተቋማት ሀላፊዎች ጋርም ተወያይቷል

እቲ ልኡኽ ምስ ካልኦት ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላት ከምዝተዛተየ እውን ኣምባሳደር ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዛዕባ ዝፈፀሞ ጥፍኣት፣ መንግስቲ ሓገዝ ንምብፃሕ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ፣ ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራት ተሓባቢርካ ንምስራሕ ዘለዋ ድሌት ከምዝገለፁሎም ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ዲና፥ እተን ሃገራት ዝገብረኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ክብ ንምባል ድሌት ኣርኢየን ከምዘርኣያ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.