ካብ ዞባ ኣሶሳን ፍሉይ ወረዳ ማኦን ን2ይ ዙር ናብ ሰራዊት ምክልኻል ዝፅምበሩ መናእሰይ ምፍናው ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ካብ ዞባ ኣሶሳን ፍሉይ ወረዳ ማኦን ን2ይ ዙር ናብ ሰራዊት ምክልኻል ዝፅምበሩ መናእሰይ ምፍናው ተገይሩሎም።
ኣብ ሃገር ንምድሓን ወፍሪ ብምፅምባር ኣብ ጎኒ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ንምስላፍ ን2ይ ግዘ ኣብ ዝተገበረ ምፍናው፥ ኣመራርሓታት እቲ ክልል፣ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ተረኺቦም፡፡
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ዘፈር ፀፅታን እቲ ክልል ኣይተ ሙሳ ሃሚድ፥ ፃውዒት ሃገር ተቐቢሎም ተኻፈልቲ ናይዚ ታሪኽ ንዝኾኑ መናእሰይ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎምዎም፡፡
ጅግና ንምዃንን ዓወት ንምርካብን ኣብ እዋን ስልጠና ዝወሃቦም ትምህርቲ ብግቡእን ብፅቕ ስነ-ምግባርን ክቕበሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ላይዘን ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሓላፊ ኮሎኔል ታዬ ቶሎሳ ብግደኦም፥ “ጅግንነት ናይ ኣቦ ሓጎታትና ኢዩ፤ ወዲ ጅግና ጅግና ኢዩ፤ ንስኻትኩም እውን ብምውሳንኩም ጀጋኑ ኢኹም” ክብሉ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ምፍናው ዝተረኸቡ ኣቦታት ሃይማኖት እውን ባንዴራ ሃገሮም ብምርካብ ነቶም መናእሰይ ብዓወት ንኽምለሱ ብምረቓን ብፀሎትን ከምዘፋነዉዎም ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።