ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓታት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ጉጅለ ፈጢሮም ዝተሰለፉ ዕጡቓት ነኒባዕሎም ተቓቲሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓታት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ጉጅለ ፈጢሮም ዝተሰለፉ ዕጡቓት ነኒባዕሎም ከምዝተቓተሉ ፍልፍላት ሓበሬታ ኣረጋጊፆም።
ጥሒሱ ናብ ዝኣተወሎም ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልዑል ስዕረት ኣጋጢሙዎ እናተበታተነ ዝርከብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፥ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓታት ልዑል ዘይምርድዳእ ምፍጣሩ ስዒቡ ጉጅለ ፈጢሮም ዝተሰለፉ ዕጡቓት ሕድሕዶም ከምዝተቐታተሉን ዝተወሰኑ ኣባልት እቲ ጉጅለ ተፈሊዮም ከምዝኸዱን እሙናት ፍልፍላት ኣረጋጊፆም፡፡
ኣመራርሓታት ህወሓት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኩሎም ግምባራት ዝበፅሖም ስዕረት ስዒቡ፥ ኣብ ግምባር ምዕራብ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተረፉ ዕጡቓት ከም ብሓዱሽ ንምውዳብ ፈተነ ኣብ ዝገበሩዎ ኣኼባ መብዛሕተኦም ናይ ምውጋእ ድሌት ከምዘይብሎምን ዕላማ ንዘይብሉ ኲናት ዋጋ ክኸፍሉ ከምዘይደልዩን ብምግላፆ ዘይምርድዳእ ምፍጣሩ ፍልፍላትና ሓቢሮም፡፡
እቲ ኣኼባ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓታት እውን ልዑል ክትዕ ዘተኣናገደ ከምዝነበረ ዝገለፁ ፍልፍላትና፥ ብዝተፈላለየ ጉጅለ ዝተሰለፉ ዕጡቓት ብዝተወለዐ ጎንፂ 10 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 50 ዝኾኑ ድማ እቲ ኣኼባ ኣቋሪፆም ከምዝኸዱ ንተፈሊጡ፡፡
ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጥሒሱ ናብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ወልዲያን ሰቖጣን ልዑል ሕፅት ተዋጋኣይ ስለዘጋጠሞ መናእሰይ እቲ ከባቢ ብግዲ ናብ ኲናት ንምእታው እናፈተነ ከምዝኾነ እቶም ፍልፍላት ገሊፆም።
ከም ሓበሬታ ፍልፍላትና ኣብዚ ሰሙን ኣብ ግምባር ፀለምቲ ነበርቲ እቲ ከባቢን ሚሊሻታትን ብዝተዋደደ መገዲ ምንቅስቓስ እቲ ግብረ ራዕዲ ንምግታእ ዝኸኣሉ እንትኾ፥ 300 ዝኾኑ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ተደምሲሶም ኢዮም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።