ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣፍሪካ ኩለመዳይ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ – ሚኒስትር ማይን ከባቢን ዩጋንዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓልቲ ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዩጋንዳ ኣለም ፀሃይ መሰረት ምስ ሚኒስትር ማይን ከባቢን ዩጋንዳ ሳም ቺፕቶሪስ ተዛቲዮም።
ኣብ ግድብ ህዳሰ፣ ፅቡቕ ልምዲ ሓምለዋይ ኣሰር ናብ ጎረቤት ሃገራት ብዛዕባ ዝስፋሕፈሐሉ ኩነታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገበረ መረፃ ስዒቡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝጣየሽ መንግስቲ፣ ግብረ ራዕዲ ህወሓት መንግስቲ ዝገበሮ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ብዘይምቕባል ህፃናት ናብ ኲናት እናሰለፈ ምዃኑ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ ንፁሃን ዜጋታት ብግፍዒ እናጥቀዐን መሰረተ ልምዓታት እናዐነወን ምዃኑ እተንመኣምባሳደር ኣብሪሀን፡፡
ሚኒስትር ሳም ቺፕቶሪስ ብግደኦም፥እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብትኹረት ከምዝከታተሉ ብምሕባር ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማት ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ምዝራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ድማ ኣብ ሞንጎ ተፋሰስቲ ሃገራት ንኹሉ ተረባሒ ኣብ ዝገብር ውፅኢት ንምብፃሕ ብቕንዕና ምድርዳር ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ምህናፅ እቲ ግድብ ፍሰት ማይ ተፋሰስ ሃገራት ካብ ምቁፅፃር ጀሚሩ ብመንፅር ምትእስሳር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝህልዎ ረብሓ እንትረአ፥ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣፍሪካ እውን ብዙሕ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።