Fana: At a Speed of Life!

ሰብዓዊ ድጋፍ ንምብፃሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ ጀርመን ድልውቲ ኢያ-ጉንተር ኑክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ናይ ጀርመን መራሂተ መንግስቲ ኣብ ኣፍሪካ ናይ ውልቀ  ተወካሊ ከምኡውን ኣብ ጀርመን ናይ ኢኮኖሚ ምትሕብባርን ልምዓትን ሚኒስቴር ናይ ኣፍሪካ ኮሚሽነር ብዝኸኑ ሚስተር ጉንተር ኑክ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ኣብ ትግራይ ብምኽኒያት ጥፍኣት ህወሓት ዝተፈጠረ ሰብዓዊ ቀውሲ ዘለዎ ብርኪን ንቐፃሊ ብህፁፅ ብዛዕባ ዘድሊ ምላሽን ብዝምልከት ኣብሪሀን።

ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓርን ልዕሊ 450 ሺሕ ዜጋታት ምፍንቓሎምን ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ተጎዳእቲ ከምዝኾኑን ገሊፀን።

ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ካብ ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝወሃብ ዘሎ ምላሽ ምስ ዘሎ ድልየት እንትነፃፀር ኣዝዩ ንኡሽተይ ከምዝኸነ ገሊፀን።

ሚስተር ኑክ ብግደኦም፥ ሰብዓዊ ድጋፍ ንምብፃሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ መንግስቲ ጀርመን ድልው  ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.