ኣብ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝተቐመጡ ኣንፈታት ብስለት ብዝተመልኦ ኣካይዳ ይትግበሩ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝተቐመጡ ኣንፈታት ብስለት ብዝተመልኦ ኣካይዳ እናተተግበሩ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካሊኝ ገሊፆም።
ዶክተር ኢዮብ እዚ ዝበሉ፥ እናተተግበረ ኣብ ዝርከብ ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንትን ምቹውነት ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ስልጠና ንሰራሕተኛታት፣ ኣምባሳደራት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ተፀዋዕቲ ትካላት፣ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ካብ ሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻልን ዝተፈላለዩ ተፀዋዕቲ ትካላትን ንዝተወቅፃእፅኡ ሰብ ሞያታት መብርሂ ኣብ ዝተውሃበሉ እዋን ኢዩ፡፡
በዓል ሞያ ቁጠባ ኣይተ ዘመዴነህ ንጋቱ፥ ኢንቨስትመንትን ምቹው ኩነታት ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ንሰልጠንቲ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ናብ ኢትዮጵያ ንኸኣትዉ ዝገብሩሉ መገዲ ምስ ጭቡጥ ዓለም ለኸ ተሞክሮ ኣተሓሒዞም ኣቕሪቦም፡፡
ዶክተር ኢዮብ ኣብ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ፤ ንሕርሻ፣ ዓውዲ ምፍራይ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ኣይሲቲን ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ዝነበሩ ዓውዲታት ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኣካይዳ ናብ ውልቀ ዘፈር እናተዘዋወሩን ኣብ ከይዲ ከምዝኾኑን ብምሕባር ዓውዲ ቴሌኮም ከም ኣብነት ኣቕሪቦም፡፡
ካብ ሰልጠንቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝተለዓሉ እንትኾኑ፥ ብዝምልከቶም ኣካላትን ነቲ ስልጠና ብዝመርሑ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ሌሊሴ ነሜ ምላሽ ምሃበን ግዜኢ ፀብፂቡ።
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።