Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መፅለሊ ጣቢያታት ዝርከቡ ዜጋታት ምስ ምድጋፍ ጎኒንጎኒ ገዛ ንገዛ ኣብ ፀገም ዝወደቑ ዜጋታት ንምድጋፍ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መፅለሊ ጣቢያታት ዝርከቡ ዜጋታት ምስ ምድጋፍ ጎኒንጎኒ ገዛ ንገዛ ኣብ ፀገም ዝወደቑ ዜጋታት ንምድጋፍ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ፍሉይ ትኹረት ኣብ ክሊ ዘድሊዮም ቦታታት ዘለዉ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ድጋፍ ዘፍፀም ዘሎ ተግባራት ብዝምልከት ገምጋም ተገይሩ።

በዚ እውነ ኣብ ባህርዳርን ሰመራን ማእኸላት መተሓባበሪ ህፁፅ ሓገዝ ተኸፊቱ ካብ 10 ክላስተራት ዝተውፃእፅኡ ተወሰኽቲ ጉጅለ ሰብ ሞያ ናብቲ ቦታ ከምዝተልኣኹ ተገሊፁ።

ክፋል ሰሜን ወሎን ዋግምራን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዕለታዊ መክፍፋል ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተጀመረ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ መፅለሊ ጣቢያታት ዝርከቡ ዜጋታት ምስ ምድጋፍ ጎኒንጎኒ ገዛ ንገዛ ኣብ ፀገም ዝወደቑ ዜጋታት ንምድጋፍ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ ዓፋርን ሰሜን ወሎን ወራር ኣምበጣ ይርአ ብምህላዉ እንተይተጋደደ ንምክልኻል ተወሳኺ ሰብ ሙያ ግብርናን እታዎትን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ናብቲ ከባቢ ንምብፃሕ  ዘኽእል ምድላው ከምዝተዛዘመ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.