Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ ዓመት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናብ ዝተመነዮ ሲኦል ዝምለሰሉ ክኸውን ኢዩ – ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሓዱሽ ዓመት ሃገር ንምፍራስ ተለኣኣኺ ኮይኑ ዝመፅ ጉጅለ ህወሓት ናብ ዝተመነዮ ሲኦል ብምምላስ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ጠንኪርና ንሰርሐሉ ኢዩ” ክብሉ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ተዛሪቦም።

ብሚኒስቴር መዓርግ መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ዴሞክራሲ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ምስ ግዜኢ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ 2013 ዓ.ም ናይ ውሽጢን ወፃኢን ሓይሊታት ትዮጵያ ንምፍራስ ዝፈተኑሉ እዋን ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ዲፕሎማሲያዊን ሓድነታ ተሓሊዩ ከይቕፅል ዝደልዩ ሓይሊታት ብዝኸፈቱዎ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝበፅሐ ጉድኣት ፀሪሖም።

ኢትዮጵያውያን ብብሔር፣ ሃይማኖት፣ ሃፍቲን ዕድን እንተይተኸፋፈሉ ሃገሮም ከፍርስ ንዝመፅአ ሓይሊ ንምምካት ብሓድነት ደው ከምዝበሉ እውን ገሊፆም።

እዚ ሓድነት ድማ ንናይ ውሽጢን ደገን ፀላኢ ብፍላይ ብምፍልላይ እናሰርሐ ዝነበረ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝነበሮ ሕልሚ ከምዝፈሸሎ ኣረጋጊፁ ኢዩ ኢሎም።

ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ሃገር ንምፍራስ ልኡኽ ኮይኑ ዝመፅአ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናብ መፅአሉን ዝተመነዮን ሲኦል ዝምለሰሉ ከምዝኸውን ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.