Fana: At a Speed of Life!

ንርህወሓትን ሸኔን ሓገዝ እናገበሩ ዝነበሬ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ምርመራ እናተገበረ ይርከብ – ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ክልል ሃረሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንርህወሓትን ሸኔን ሓገዝ እናገበሩ ዝነበሬ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ ምርመራ እናተገበረ ይርከብ – ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ክልል ሃረሪ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ኣዩብ ኣሕመድ፥ ምስ ፌዴራላዊ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ሰራዊት ምክልኃል እዚ ምብራቕ፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ፖሊስ እቲ ክልልን ኣካላት ፀፅታን ተዋዲዶም እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

በዚህም ሽብረኞቹን ህወሓትና ሸኔን በገንዘብና በቁሳቁስ ይደግፋሉ የተባሉ በርካታ ግለሰቦች በቁጥጥር ስር ውለው የተወሰኑት መለቀቃቸውና ሌሎች መረጃና ማስረጃ ተገኝቶባቸው ምርመራው ቀጥሏል ብለዋል፡፡

ስለዝኾነ ድማ 7 ትካላት ተዓሺጎም ምርመራ እናተገበረሎም እንትኸውን፥ 11 ተሸከርከርቲ ድማ ስረሖም ጠጠው ንኸብሉ ከምዝተገበሩ ተገሊፁ።

ግብረ ራዕዲ ሓይሊታት ህወሓትን ሸኔን ኣብቲ ክልል ዝተዋደደ ገበን ግብረ ራዕዲ ከይፍፅሙ ንምክልኻል ሰራዊት ምክልኃል እናበርከቶ ዝርከብ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታ ዝፈጠሩዎ ፅምረት እውን ልዑል ብፅሒት ከምዝነበሮ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ግብረ ራዕዳውያን ብገንዘበ ይኹን ብናውቲ ዝድግፉ ውልቀሰባት ይኹኑ ትካላት ተኸታቲልካ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ምባሎም ካብ ፌስ ቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.