Fana: At a Speed of Life!

ብምዝውዋር መዓወኒ ሓሽሽ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ነገሌ ብምዝውዋር መዓወኒ ሓሽሽ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምክልኻል ገበን መምርሒ ፖሊስ ዞባ ጉጂ ዋና ሳጂን ጉተማ ሳፋይ፥ ብቕድሚ ትማሊ ኣብታ ከተማ ኣብ መንበሪ ገዛ ሓደ ውልቀ ሰብ ብዝተገበረ ፍተሻ 20 ኪሎ ግራም ዝምዘን ካናቢስ ዝተብሃለ መዐወኒ ሓሺሽ ተረኺቡ ኢዩ።

ምስ ምዝውዋር እቲ ዝተረኸበ መዐወኒ ሓሺሽ ካናቢስ ተተሓሒዙ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ፖሊስ ምርመራ እናገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ መዓወኒ ሓሽሽ ካብ ከተማ ሻሸመኔ ከባቢ ኩየራ ዘጓዒዙ ንግብረ ራዕዲ ሸኔ ክበፅሕ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ ሓበሬታታት ከምዝተረኸቡ እቶም ዋና ሳጅን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.