Fana: At a Speed of Life!

ኣብቲ በጀት ዓመት ብዓውዲ ዲፕሎማሲ ዓወት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጳጉሜን 4 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2013 ዓ.ም ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፈተናታት እኳ እንተሓለፈት  ብዓውዲ ዲፕሎማሲ ዓወት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ካብቶም ፈተናታት ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ግድብ ህደሰን ኩነታት ፀጥታን ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ምስ ህዳሰ ግድብ ብምትሕሓዝ ዝነበረ ፈተና ብምሕላፍ ካልኣይ
ዙር ምምላእ ማይ ብዕወት ምዝዛሙ ሓቢሮም።

ወራሪ ሓይሊ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዕዚ ሰሜን ራዊት ምክልኻል ሀገር ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እውን ዕዉት ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ዝተወሰን ዓለም ለኸ ማሕበረሰበ ኣሸባሪ ሕወሓት ብምድጋፍ ዝኸድዎ መገዲ መንግስቲ ብዝገበሮ ፃዕሪ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣንፈት ብምትሓዝ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ብዝፈፀሞ ጥፍኣት ተሓታቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣፍሊጦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.