Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 8 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ናብሕብረተሰብ ክቐርብ ኢዩ – ግብረ ሓይሊ መርግጋዕ ዕዳጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቱ ሸመትቲ ብዝተረጋግዐ መልክዑ ንኅዕሉ ዝተዋደደ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ብብርኪ ፌዴራል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ምርግጋዕ ዕዳጋ ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዘሳለጡዎም ተግባራት ብዝምልከት ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ብዘቕረቦ ፀብፃብ ከምዘመላኽቶ፥ በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቱ ዝተጋነነ ወሰኽ ዋጋ ከይፍጠር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ስመዕነት ተበፂሑ ኢዩ፡፡

ብመሰረት እዚ ትካል ቄራታት ኢትዮጵያ ን1 ኪሎ ስጋ በጊዕ ብ 210 ብር ከምኡ እውን ን1ኪሎ ስጋ ብዕራይ ብ280 ንምሻጥ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣገንዚቡ፡፡

ብሕብረተሰ ስራሕ ማሕበራት ኣቢሉ ቀይሕ ሽጉርቲ ካብ 27 ክሳብ 28 ብር፣ ፃዕዳ ሽጉርቲ ካብ 80 – 85 ብር፣ ፃዕዳ ጣፍ ብኹንታል ካብ 4200 ክሳብ 4400 ብር፣ ቀይሕ ጣፍ ካብ 3700 ክሳብ 3900 ብር ንምሻጥ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

በዓል ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ሕፅረት ቀረብ ዘይቲ ከይፍጠር ካብ ወፃኢ ካብ ዝኣቱ ዘይቲ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረየ 8 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሊትሮ ብዋጋ መንግስቲ ንሕብረተሰብረተሰብ ንምክፍፋል ምድላው ተዛዚሙ ኢዩ ከምዝተብሃለ ካብ ሚኒስቴር ንግዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.