ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብ800 ሚሊየን ፋብሪካታት ባኒን ሕሩጭን ክህነፁ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤትን ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክን ኣብ 10 ከተማታት ንዝስርሑ ዓሰርተ ፋብሪካታት ባኒን ሕሩጭን ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።
እቶም ፋብሪካታት ባኒ ኣብ 10 ከተማታት ዝህነፁ እንትኾኑ፥ ፋብሪካታት ዳቦን ሕሩጭን ኣብ ሓደ ኣጣሚሮም ዝሓዙ ኢዮም ተባሂሉ፡፡
እቶመ ዝህነፁ ፋብሪካታት ሕድሕዶም ኣብ መዓልቲ 400 ኩንታል ሕሩጭ ናይ ምፍራይን 300 ሺሕ ባኒ ናይ ምስንካትን ዓቕሚ ከምዝህልዎም ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እቶም ፋብሪካታት ኣብ 10ቲአን ከተማታት ሃኒፅካ ንምዝዛም 12 ኣዋርሕ ከምዝውድእ ተገሊፁ፡፡
እቶም ፕሮጀክታት ድሌት ባኒ እተን ከተማታት ካብ ምምላእ ሓሊፉ ን1 ሺሕን 200 ሰባት ፈጠራ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ተገሊፁ፡፡
ናሓፈሻዊ እቶም ፕሮጀክታት ድማ 800 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተተሓዘሎም እንትኸውን፥ ኣብ ከተማታት ሰመራ፣ ጅግጅጋ፣ ሃረር፣ ነቀምት፣ ጎንደር፣ ደሴ፣ ኣሶሳ፣ ሃዋሳ፣ ወላይታ ሶዶን ቦንጋን ክህነፁ ኢዮም ተባሂሉ፡፡
ብፈቲያ ዓብደላ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።