ወፍሪ ህልውና ብዓወት ክሳብ ዝዛዘም ክልል ጋምቤላ ዝገብሮ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲን ህዝቢን ክልል ጋምቤላ ወፍሪ ህልውና ብዓወት ክሳብ ዝዛዘም ንሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ኣፍሊጦም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፥ ሓዱሽ ዓመት ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን እቲ ክልልን ዘበነ ዓወትን ልምዓትን ክኸውን ተመኒዮም።
ህዝቢን መንግስቲን እቲ ክልል ቅድሚ ሕዚ ንሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብሓይሊ ሰብ፣ ገንዘብ፣ ደም ብምልጋስን ካልኦት ሓገዛትን እናገበሩ ምፅነሖም ኣብ መልእኽም ገሊፆም።
ኣብ ዝቕፅ ሓዱሽ ዓመት እውን እኩይ ሽርሒ ህወሓት፣ ሸኔን ካልኦት ሓይሊታት ጥፍኣትን ተዓፂፉ ወፍሪ ህልውና ብዓወት ክሳብ ዝዛዘም ህዝባዊ ደጀንነቱን ሓገዙን ኣጠናኺ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ሓዱሽ ዓመት ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝውገዱሉን ዝሓፍሩሉን፤ ህዝቢታት እቲ ክልል ኢሉ እውን ህዝቢታት ድማ ዝሕጎሱሉ ዘበን ንኽኸውን ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።