ኣብ ዞባታት መተከልን ካማሺን ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ልኡኽ ህወሓት ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ንምውሳድ ምድላው ተዛዚሙ ኣሎ – ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባታት መተከልን ካማሺን ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ልኡኽ ህወሓት ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ንምውሳድ ምድላው ከምዝተዛዘመ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብቲ ክልል ዞባታት መተከልን ካማሽን ዝንቀሳቐስ ልኡኽ ህወሓት ዝኾነ ሓይሊ ሽፍትነት ስለዝመረፀ ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ሰላም ክህሉ ከምዘይደሊ ብተግባር ከምዘረጋገፀ ኣገንዚቡ።
መንግስቲ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምዃን ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብፍላይ ኣብ ክልቲአን ዞባታት ቀንዲ ልኡኽ ጁንታ ህወሓት ዝኾነ ሓይሊ ፀረ ሰላም ዝፈጠሮ ፀገም ፀፅታ ንምፍታሕ ካብ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ኣቐሚጡ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ኣብሪሁ፡፡
እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝፈጠሮ ፀገም ፀፅታን መጥቃዕቲን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት፣ ኣካል፣ ንብረትን ካብ ዝበፅሐ ጉድኣት ብተወሳኺ ብዙሓት ዜጋታት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ምኽንያት ኮይኑ ኢዩ ኢሉ፡፡
መንግስቲ እቲ ክልልን ዝተዋደደ ኮማንድ ፖስት ዞባ መተከልን፥ ኣተሓሳሳባይነት እቲ ፀገም ብምርዳእ ምስ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፌዴራል ፖሊስ፣ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፣ ኣባላት ሚሊሻን ውልቀ ዕጡቓትን ብምዃን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዕጡቕ ንሓደን መወዳእታ ግዘን ዝውሰድ ስጉምቲ ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛም ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብዝተፈለየ ኩነታት ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፁ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።