ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሓዱሽ ዓመት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ሓደጋ ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሓዱሽ ዓመት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ሓደጋ ከምዝተሰርሐ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ገሊፁ።
እቲ ኮሚሽን በዓል ሓዱሽ ዓነት ሓዊሱ በዓላት መስቀልን ኢሬቻን ስዒቦም ክፍተሩ ካብ ዝኽእሉ ዝኾኑ ይኹኑ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ማሕበረሰብ ንምድሓን ዘኽእል ቅድመ ምድላው ሓደጋ ከምዝተሰርሐ ኣፍሊጡ።
እዚ ዝተገለፀ ድማ ዘፈር ምላሽ ሓደጋ እቲ ኮሚሽን ምስ ሰራሕተኛታት እቲ ማእኸልን ጨንፈር ቤት ዕዮታትን ኣብ ዝገበሮ ልዝብ ኢዩ።
እቲ ኮሚሽን ብግድኡ ቅድመ ምድላው ዝዛዘመ ይኹ እምበር ሓደጋ እንተይተፈጠረ ንምክልኻል ተሳትፎ ሕብረተሰብ ርኡይ ታራ ኣለዎ ኢሉ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ወርሒ መስከረም 2014 ዓ.ም ጀሚሮም ዝኽበሩ ሰለስተ በዓላት ማለት እውን ሓዱሽ ዓመት፣ መስቀልን ኢሬቻን ንሓደጋ እዋን ምላሽ ኣገልግሎት ንመሃብ ዝውዕሉ እኹላት እታወታትን ተሸከርከርቲን ከምዝተመደቡ ተገሊፁ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ 10 ክፍለ ከተማታት 918 ሰራሕተኛታት ሓደጋ፣ 39 ከበድቲ ተሸከርከርቲ ሓደጋን 22 ቅድመ ኣገልግሎት ቅድመ ሆስፒታል ዝህባ ኣምቡላንሳት ከምዝተዳለዋ ተሓቢሩ።
ይኹን እምበር ጥንቃቐ እናተገበረ እናሃለወ ንዘጋጥም ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ብናፃ መስመር ስልኪ 939፣ ብቐጥታ ናይ ውሽጢ ሽልኪ ቁፅሪ 0111555300፣ 0111568601 ወይ ድማ 0111264848 ብምድዋል 24 ሰዓት ኣገልግሎት ምርካብ ከምዝከኣል እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።