ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ፀሓፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተዛቲየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ፀሓፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ራሚሮ ሎፔዝ ዳ ሲልቫ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂበን ተዛቲየን።
እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብመንግስቲን ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላትን እናተኻየደ ዝርከብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ዝርገሀን ዝድሃበ ዘተ ኢየን ኣካይደን ፡፡
ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጀመረ ፃዕሪ ምብፃሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምስፋሕን ምቅልጣፍን ኣድላዪ ምዃኑ ኣመልኪተን ከምዝተዛተያ እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ፅሒፈን፡፡
እቶም ፍሉይ ልኡኽ፥ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቅልጣፍ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ምምሕያሽ ከምዝተሓጎሱን ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከምዘሎን ምግላፆም ኣብሪሀን፡፡
ዘጋጠሙ ማሕለኻታት ብምፍላይ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ከምዝተለዋወጣ እውን ወይዘሮ ሙፈሪያት ገሊፀን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።