ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንፁሃን ዜጋታት ኣብ መገዲ ሰሪዑ ከምዝረሸነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ንፁሃን ዜጋታት ኣብ መገዲ ሰሪዑ ከምዝረሸነ ነበርቲ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ቀበሌ ጭና ተዛሪቦም።
እቶም ነበርቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ቀበሌ ጭና ንፁሃን ብግፍዒ ምጭፍጫፉ፤ ናይ 6 ወርሒ ህፃን ቆልዓ ኣብ ሕዝሊ እንተላ ምቕታሉ ተዛሪቦም።
እቲ ጉጅለ ኣብቲ ዞባ ወረዳ ደባትን ደባርቕን ንምቑራፅ ዝገበሮ ሙከራ ብጅግንነት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓይሊታት ፀፅታን ከሺፉዎ ስዕረት እንትበፅሖ ኣብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ንፁህ ዜጋ ጭፍጨፋ ፈፂሙ ከምዝኸደ ተገሊፁ።
ብጅምላ ግፍዒ ዝቐተሎም ብዙሓት ዜጋታት ኣስከሬን ኣብ ጭና ተክለሃይማኖት ቤተክርስቲያን ከምዝተቐበሩ ተሓቢሩ።
ነበርቲ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ቀበሌ ጭና፥ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ንፁሃን ዜጋታት ኣብ መገዲ ሰሪዑ ከምዝረሸነ እዮም ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።