Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ብኣንፈት ህዳሰ ግድብ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ንምክያድ እንተፈተነ እውን ኣይሰመረሉን- ሌተናል ጀኔራል አስራት ዲኔሮ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ብኣንፈት ህዳሰ ግድብ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ንምክያድ እንተፈተነ እውን በሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ከምዝተደምሰሰ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን ዋና መተሓባበሪ ኮማንድ ፖስት ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ መተከልን ኣይሰመረሉን- ሌተናል ጀኔራል አስራት ዲኔሮ ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ ዝተገብረ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ኣፅዋር ፀረ ተሽከርካሪን ፀረ ሰብ ነተጉቲን ተቐፃፀልቲ ቦንቢታትን ብምዕጣቕ እንተለኣኸ አወን ሰራዊትና ምስ ፍሉያት ሓይሊ ክልላት ብምጥማር ዘኹርዕ ተጋድሎ ፈፂሙ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ዝለኣኾም ተቖፀርቲ ልዕሊ 220 እንትድምሰሱ ልዕሊ 70 ድማ ቆሲለምዎ ቁስለኛታቱ ብምሓዝ ናብ ዝመፅአሉ ከምዝሃደመ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ካብ ዘለትሉ ፀገም እትወፅእ ብድጋፍ ሕብረተሰብ ኢዩ እሞ ሕብረተሰብ ፀጉረ ልውጥ ሰባት እንትርእይ ሓበሬታ ብምሃብ ሕልሚ እቲ ጁንታ ብሓባር ምምካን ይግበአና ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.