Fana: At a Speed of Life!

ወራሪ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ጭና ቀበሌ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት  ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ገበን ከምዝፈፀመ  ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ጎንደር ዞባ ዳባት ወረዳ ጭና ቀበሌ ወራሪ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ጭና ቀበሌ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት  ናይ ዘርኢ ምጥፋእእ ገበን ከምዝፈፀመ  ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ያለኣለም ፈንታሁን ተዛሪቦም።

እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ዳባትን ደባርቕን ንምቁፅፃር ዓሊሙ ዝተንቀሳቐሰ ወረሪ ጉጅለ ህወሓት ብሰራዊትናን ብናቲ ከባቢ መናእሰይን ልዑል ቃልሲ ሕልሙ ተጨናጊፉዎ ኢዩ፤ ኣብ ጭና ምድሪ ድማ ልዑል ሰብኣዊን ቅሳዊን ኪሳራ በፂሑዎ ኢሎም።

እቲ ወራሪ ብዝበፅሖ ውቅዒት ኣብ ሕርሻ፣ ጎዳናታትን ጫካታትን ኣባላቱ ብምሟቶም ነዚ ተግባር ዘሕፈሮ ወራሪ ጉጅለ ኣብ ናይ ጭና ንጹሃን ናይ ብቀላ ስጉምቲ ብምውሳድ  ዱልኡ ኣዕሪፉ ኢሎም።

በዚ ድማ ካህናት፣  ሽማግለታት፣ ህጻናት፣ መናእሰይን ኣዶታትን በቲ ግፍዒ ተጠቃዕቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ካብ ሓደ ቤተሰብ ክሳብ 6 ኣባላት ከምዝተሰውኡ፣ በቢቦትኡ ካብ 40 ክሳብ 50 ዝፅግዑ ናይ ንፁሃን ኣስከሬን ከምዝተረኸቡ ተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.