ሰብ ሃፍቲ ኣምሓራ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝተፈናቐሉ ወገናት ናይ 100 ሚሊየን ብር ድጋፍ ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ኣምሓራ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝተፈናቐሉ ወገናት ናይ 100 ሚሊየን ብር ድጋፍ ገይሮም።
እቶም ሰብ ሃፍቲ ዝገበርዎ ድጋፍ ኣብ ከተማ ሰመራ ብምርካብ ሎሚ ንክልል ዓፋር ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣረኪቦም።
ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ንበዓል መውዓሊ ዝኸውን 400 ኣብዑር ድጋፍ ገይሮም።
እቲ ድጋፍ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብቲ ክልል ብዘብፀሖ ትንኮሳ ንዝተፈናቐሉ ወገናት ዝውዕልን ጁንታ ንምድምሳስ ይቃለሱ ንዘለዉ ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዝውዕልን ኢዩ ተባሂሉ።
ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣወል ኣርባ፥ እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ዓፋር ደው ምባሎም ኣመስጊኖም።
እቲ ሓይሊ ጁንታ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋርን ኣምሓራን ዝኸፈቶ ኲናት ባህሪኡ ብግልፂ ዘርኣየ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ኩሉ ሰብ ነቲ ጁንታ ንኽከላኸል ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብታሪኩ ለገሰ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።