ኣብ ኢትዮጵያ መጠን ፈተነ መጥቃዕቲ ሳይበር ብዕፅፊ ወሲኹ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2013 ኣብ ኢትዮጵያ መጠን ፈተነ መጥቃዕቲ ሳይበር ብዕፅፊ ከምዝወሰኹ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ኤጀንሲ ሓላፊ ዲቪዥን ምድላው ሓደጋን ወሃቢ ምላሽን ኣይተ ሰብለወይን ፀጋየ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 2 ሺሕን 800 ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይቨር ተፈኒዎም።
እዚ ድማ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ካብ ዝተፈተነ 1 ሺሕን 80 መጥቃዕቲታት እንትነፃፀር ብዕፅፊ ምውሳኹ ከምዘመላኽት ኣብሪሆም።
ካብ ሞንጎ ዝተገበሩ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይቨር 75 ነጥቢ 25 ምኢታዊ ምላሽ ዝተውሃቦም እንትኾኑ፥ ዝተረፉ ድማ ምላሽ እናተውሃቦም ከምዝኾኑ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።