ህዝቢን መንግስቲን ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 85 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢን መንግስቲን ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ልዕሊ 85 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ሓገዝ ን4ይ ግዘ ገይሮም።
እቲ ክልል ኣብ ኣርባዕቲኡ ዙር 295 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ዓይነትን ጥረ ገንዘብን ሓገዝ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።
1 ሺሕን 44 ሰንጋታት፣ 986 ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ እውን 20 ፅዕነት መኻይን ደረቕ ምግቢን ካልኦት ናውቲን ሎሚ መዓልቲ ኣረኪቡ።
ብሓፈሻዊ ዝተገበረ ሓገዝ ድማ ልዕሊ 85 ሚሊየን 494 ሺሕ ብር ግምት ከምዘለዎ ኣብቲ እዋን ርክክብ ተገሊፁ።
ህዝቢ ክልል ደቡብ ሕዚ እውን ኣብ ሉኣላዊነት ሃገሩ ደጀን ንኽኸውን ከምዝተሓተተ ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።