ግብረ ራዕዳውያን ንጎንፂ ዝመርፁዎም ከባቢታት ብልምዓት ብምትእስሳር እኩይ ዕላመኦም ምፍሻል ይግባእ – ዶ/ር ኣህመዲን መሓመድ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዳውያን ንጎንፂ ዝመርፁዎም ከባቢታት ብልምዓት ብምትእስሳር እኩይ ዕላመኦም ምፍሻል ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣህመዲን መሓመድ ገሊፆም።
ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልል ዓፋር ዞባ ሓደ ወረዳ ኣደኤላን ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ጅሌ ጥሙጋን ዝፍጠሩ ጎንፂታት ምውጋድ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣመራርሓታት ምስ ህዝቢ ተዛቲዮም ዝበፅሑዎ ብርኪ ኣብ ከተማ ሸዋሮቢት ብሓባር ገምጊሞም።
ኣመራርሓታት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን እተን ወረዳታት፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝቢታት ናይ ውልቀ ሰባት ጎንፂ ናብ ናይ ህዝቢ ጎንፂ ብምዕባይን ወረ ብምንዛሕን ሰላም እቲ ከባቢ ንምህዋኽ ዝደልዩ ኣካላት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣህመዲን መሓመድ፥ ግብረ ራዕዳውያን እቲ ከባቢ ንጎንፂ ዝመርፁዎም ከባቢ ስለዝኾነ፤ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምጥንኻርን ብምልማዕን ብምትእስሳር እኩይ ዕላመኦም ምፍሻል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ክልቲኦም ህዝቢታት፥ ብቤላቤሎ፣ ብጎንፂ ውልቀ ሰባት፣ ብሕርሻ መሬትን ስርቂ እንስሳትን ዝፍጠሩ ጎንፂታት ብምዝርራብ ብምፍታሕ ገፆም ናብ ልምዓት ንምዛር ቃል ብምእታው ኣብ ስምዕነት ከምዝበፅሑ ካብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።