ሚኒስቴር እቶትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ኣካላት ፀፅታን ልዕሊ 71 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር እቶት፣ ኮሚሽን ጉምሩክን ምምሕዳር ብሀሄራዊ ሎተሪን ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ኣካላት ፀፅታን ልዕሊ 71 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም።
እቶመም ትካላት ዝገበሩዎ ሓገዝ፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝፈፀሞ ወረራ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ነቲ ጉጅለ እናተዋግኡ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ፣ ሚሊሻን ፋኖን ዝውዕል ኢዩ፡፡
ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ደበሌ ቃበታ፥ እቲ ሓገዝ ዝገበሩ ቤት ዕዮታት ካብ ዝተነበረለን ሓላፍነት ብተወሳኺ ሃገር ካብ ዝኣተወቶ ፀገም ንኽትወፅ እናሰርሑ ምፅንሖም ገሊፆም፡፡
ከም ሃገር ዘጋጠሙ ፀገማት ንምፍታሕ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ግቡእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ሓገዝ 60 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ብዓይነትን ዝተረፈ 11 ሚሊየን ብር ድማ ብጥረ ገንዘብ ከምዝኾነ እቲ ሓዘግ ኣብ ዘረከቡሉ እዋን ገሊፆም፡፡
እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር፥ ሚኒስቴር እቶት፣ ኮሚሽን ጉምሩክን ምምሕዳር ብሀሄራዊ ሎተሪን እናገበሩዎ ንዝርከቡ ተኸታታሊ ድጋፍ ኣመስጊኖም፡፡
ፍልፍል፦ ኣሚኮ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።