Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንሆስፒታል ዓፋር ዱብቲ ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣  28 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓፋር ዱብቲ ናይ ናውቲን መድሓኒትን ድጋፍ ከምዝገበረ ሓላፊ ቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት እቲ ማሕበር ኣሊ ሶሃሊህ ገሊፆም።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዶክተር መሐመድ የሱፍ ብግደኦም፥ እቲ ሆስፒታል ን1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣገልግሎት እናሃበ ከመዝርከብ ገሊፆም።

ብግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ብዝበፅሖ መጥቃዕቲ ግን ናይ መድሓኒትን ዝተፈላለዩ ናውቲታት ሕክምና ሕፅረት ኣጋጢሙዎ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ እውን ናይቲ ሆስፒታል ፀገም ብምፅናዕ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ናውቲታት ሕክምናን መድሓኒትን ድጋፍ ምግባሩ ኣመስጊኖም።

ብጌታሰው የሽዋስ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.