Fana: At a Speed of Life!

ዋሊያታት ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ ምሸት ምስ ጋና ክፃወቱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ክትፃወት ኢያ።

ተፃወትቲ እታ ሃገራዊት ጋንታ (ዋሊያታት) ናብ ኮስት ዝኸዱ እንትኾኑ፥ ትማሊ ምሸት ቀዳማይ ልምምድ ምግባሮም ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከተማ ኬፕ ኮስት ሙቐት ፀባይ ኣየርዘለዋ እንትትከውን፥ ሎሚ ምሸት ኢትዮጵያን ጋናን ናብ ፅዋዕ ዓለም ንምሕላፍ ዝገብረኦ መፃረዪ ፀወታ ክተተኣናግድ ኢያ።

ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዕ ዓለም ብብርኪ ኣፍሪካ፥ ሎሚ መዓልቲ ሞዛምቢክ ምስ ኮትዲቯር፣ ዚምባብዌ ምስ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሞሪታኒያ ምስ ዛምቢያ፣ ናይጀሪያ ምስ ላይቤሪያ፣ ቱኒዚያ ምስ ኢኳቶሪያል ጊኒ ክራኸባ ኢየን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.