Fana: At a Speed of Life!

ብከሓዲ ጄኔራል ምግበይ ሀይለ ዝተመርሐ ሓይሊ  ኣብ ማይፀብሪ ግንባር ተደምሲሱ

 

ኣዲስ ኣበባ፣  27 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብከሓዲ ጄኔራል ምግበይ ሀይለ ዝተመርሐ  ኣብ ማይፀብሪ ግንባር ኣብ ደባርቕን ዳባት ወረዳታት ኣዋሰንቲ ከባቢታት ጫንቅ፣ ጭናን ወቅንን ዝመፅአ ናይ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ሓይሊ ተደደምሲሱ፡፡

ናይ መከላከያ ሰራዊት መረዳእታ ከምዘመላኽቶ፥ እቲ ወረሪን ዘራፊን ናይ ህወሓት ጉጅለ ናይ እኒ ወዲ ረዳ ሒሳብ ናይ ምውርራድ ስሌት ሒዙ ዝመፅአ ኢዩ፡፡

ካብ መንጎ ኣዘዝቲ እቲ ግንባር ሓደ ኮሎኔል ሀብታሙ ምህረቴ ከምዝበልዎ፥ ብሰራዊትና ኣባላት መሪሕነት ኣብቲ ግንባር ምስ ዝተሰለፈ ናይ ወገን ሓይሊ ኣብዚ ሰሙን ፀላኢ ዝኸፈቶ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብምምካትን ናብ መጥቃዕቲ ብምሽግጋርን ዝመፅአ ፀላኢ ንምድምሳስን ዓወት ንምሕፋስን ተኻኢሉ ኢዩ።

ኣብ ወቅን ጭና ዝተሰለፈ ናይ ወገን ሓይሊ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ናይ ጁንታ ሓይሊ ዝተደምሰሰን ዝተማረኸን እንትኸውን፥ ፀረ-ታንኪ፣ ዲሽቃ ፣ ብሬን፣ ላውንቸርን ስናይፐርን ሓዊሱ ዝተፈላለይ መሳሪያታት፤ ልዕሊ 15 ሺሕን 600  ዝተፈላለዩ ጥይታት፣ መራኸብቲ ሬዲዮን ናይ ኢድ ስልክታትን ከምኡውን ናይ ብር ኖታትካብ ፀላኢ ተማሪኾም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.