Fana: At a Speed of Life!

ሃገርለኸ ጉባኤ ልምዓት ምሕደራ ቢዝነስን ኣይሲቲን ዩኒቨርሲቲታት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሐሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገርለኸ ጉባኤ ልምዓት ምሕደራ ቢዝነስን ኣይሲቲን ዩኒቨርሲቲታት ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ምስ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ብምትሕብባር ዝተዳለወ እቲ ጉባኤ፥ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዩኒቨርሲታት ብዛዕባ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት፣ ብርኪ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂን ድሕንነት ሓበሬታን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ቀሪቦም ልዝብ ተገይሎም።

ሚኒትር ዲኤታ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ሁርቃቶ፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ብኽነት ሃፍቲ ንምትራፍ ዲጂታል መሰረተ ልምዓታት ዘይትካእ ግደ ከምዝፃወታ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ኣመራርሓታት ኣብቲ ዓውዲ ብቑዕ ብምግባር ናብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምስግጋር ዝስርሑ ዝስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ጉባኤ ካብ 40 ዩኒቨርሲቲታት ዝተውፃእፅኡ 300 ዳይሬክተራትን ሙሁራትን ልምዓት ቢዝነስ ዝተሳተፉሉ ኢዩ።

ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.