Fana: At a Speed of Life!

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ስርሑ ንምጅማር ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣  26 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ብመሰረት ምስ መንግስቲ ዝገበሮ ስምምዕነት ስርሑ ንምጅማር ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ሓላፊነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማህበር ክሳብ ሐዚ ብዝፈፀሞ ተግባራትን ቀፀልቲ ኣንፈታትን በዝምልከት ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ገንዘብ ተዛቲዩ።

ዋና አፈፃሚ ስራሕ እቲ ኩበባኒያ ፒተር ንዴግዋ፥ ኩባኒየኦም ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ጀሚሩ ሰርሑ ንምጅማር ዘለዎ ቁርፀኝነት ገሊፆም።

ትልሙ ኣብ ሸቶኡ ንምብፃሕ ድማ ብዙሓት ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ ኣገልግሎት ብህፁፅ ንምፍፃም ምስ ሃገር በቆት ትካላትን ኢትዮ ቴሌኮምን ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ መርግጋፁ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ በግደኦም፥ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ብዓውዲ ቴሌኮሙዩኒኬሽን ፅሬት፣ ተበፃሕነትን ፈጠራን ዝተመልኦ ናይ ኣቕርቦትን መመሓየሽን ስራሕቲ ከምዘበረታትዕ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.