Fana: At a Speed of Life!

ግቡእ ዘይኮነ ፅዕንቶን ወሰኽ ክፍሊትን ኣብ ዝፍፅሙ ኣቢያተ ትምህርቲ ውልቀ ስጉምቲ ክወስድ ኢየ – ቢሮ ትምህርቲ ኣ/ኣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግቡእ ዘይኮነ ፅዕንቶን ወሰኽ ክፍሊትን ኣብ ዝፍፅሙ ኣቢያተ ትምህርቲ ውልቀ ስጉምቲ ከምዝወስድ ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ፥ ውልቀ ትካላት ኣገልግሎት ትምህርቲ ወሰኽ ክፍሊት ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ፡፡

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣቢያተ ትምህርቲ ውልቀ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ተዋፊሮም ተበፃሕነት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣብ ምዕባይን ግደኦም ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ይኹን እምበር ንኣገልግሎተትን ምዝገባን ዘበነ ትምህርቲ 2014 ዓ.ም በዓል መዚ ፅሬት ትምህርቲን ስልጠናን፣ ምርግጋፅን ምዘናን ብቕዓት ሞያ እቲ ምምሕዳር ብዘውፀኦ ማንዋል መሰረት ገይረን ክሰርሑ እናተገበአ ብዘይምፍፃሞም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝተጋነነ ወሰኽ ዋጋ ገይሮም ኢዮም፡፡

እቲ ቢሮ ኣብ መግለፂኡ፥ ኢትዮጵያዊ ጭዋነትን ባህሊ ምትሕብባርን ብምኽዕባት እዚ ወሳኒን ኣፀጋሚን እዋን ብሓባር ንምሕላፍ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ትምህርቲ ናይ ባዕሎም ግደ ንዋፅኡ ፀዊዑ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ተደጋጊፍካ ዝሕለፈሉ እምበር እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ፅዕንቶ ዝፈጥረሉ ግዘ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ከምዝግባእ እውን ገሊፁ።

ይኹን እምበር ግቡእ ዘይኮነ ፅዕንቶን ወሰኽ ክፍሊትን ኣብ ዝፍፅሙ ኣቢያተ ትምህርቲ ውልቀ ቅልጡፍን ዘየዳግምን ስጉምቲ ከምዝወስድ ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መግለፂኡ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.