Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ”ንዑ ንኢትዮጵያን ንኽደና” ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ”ንዑ ንኢትዮጵያን ንኽደና” ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ፣ ኣትሌታትን ፍሉጣት ውልቀሰባትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ተኻይዱ።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ብኣሰናዳእነት ሚኒስትር ሕርሻ፣ ኮሚሽን ከባቢ ኣየርን ንብረት ኣየርን፣ በዓል መዚ ልምዓት ተፋሰሳት፣ ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱ፣ ትካል ሓበሬታ ትራንስፎርሜሽንን ሙዚቃን ከምኡ እውን ብፕሮዳክሽን ምዕራፍ ዝተኻየደ ኢዩ፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱ ኣለምፀሃይ ሽፈራው፥ ኢትዮጵያ ብሓድነትን ምትሕብባርን ህዝባ ናብ ብራኸ ምዕባለ ንኽትበፅሕ ካብ ኩሉ ትፅቢት ዝግበር ስራሕ ከምዝኾነ ብምግላፅ ሓምለዋይ ኣሰር ንምንባር ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንዝተረኸቡ ኣመስጊነን።

ፕሬዚዳን ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉ፥ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺባ ኣሰራ ብምንባራ ሕጉስቲ ምዃና ገሊፃ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.