Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ 5 ሺሕን 726 ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣  22 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ 5 ሺሕን 726 ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ።

እቲ ዩንቨርስቲ ንመበል 13 ጊዘ ዘመርቕ ዘሎ እንትኸውን፥ ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኢዩ ዘመርቕ ዘሎ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ታከለ ታደሰ፥ ኣብ ዋና ግቢ፣ ኦቶና መምሃሪን ሪፈራል ሆስፒታልን ከምኡውን ኣብ ታርጫ ግቢ ብስሩዕ፣ ኤክስቴንሽንን ምሸታዊን መርሃ ግብሪታት ብቐዳማይ ዲግሪ ዘሰልጠኖም 3 ሺሕን 304 ተባዕቲዮን 1 ሺሕን 964 ደቂ ኣኒስቲዮን ተምሃሮ ከምዝተመረቑ ተዛሪቦም።

ብካልኣይ ዲግሪ መርሃ ግብሪ 385 ተባዕቲዮን 63 ደቂ ኣኒስቲዮን እንተመርቕ፥ ብሳልሳይ ዲግሪ 7 ተምሃሮ ሕፁያት ዶክተራት ከምዘመረቐ ገሊፆም።

ካብዚኦን በትምህርቶም ልዑል ውፅኢት ዘመዝገቡ 185 ተምሃሮ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ንከተርፉ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ብኣበበች ኬሻሞን መለሰ ታደለን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.