Fana: At a Speed of Life!

ኣተሓሕዛ መረዳእታን ስርዓት ልውውጥን ሓበሬታ ናይ ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክመሓየሽ ከምዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣  21 ነሓሰ 2013 (ኤፍ )ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣብ 2014 ዓ.ም ዝህሉ ኣተሓሕዛ መረዳእታን ስርዓት ልውውጥን ሓበሬታ ናይ ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክመሓየሽ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ነዚ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ምስ ሰብ ዋና እተን ትካላትን ሰብ ሃፍቲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ፥ መንግስቲ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ተበፃሕነት ትምህርቲ፣ ፅርየትን ኣግባብነትን ንምርግጋፅ ልዑል ፃዕሪ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ ዕላማ እቲ ዘተ ሕፅረት ሓይሊ ሰብ ብምፍታሕ ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ድኽነት ምውፃእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታትን ሪፎርምታትን ብምስራይ ክድግፍ ከምዝፀንሐ እውን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ብቕዓት ዘለዎ ዜጋ ብዝተደለየ መገዲ ንምህናፅ ኣብ ኣተሓሕዛ መረዳእታን ስርዓት ልውውጥን ሓበሬታ ናይ ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክመሓየሽ ከምዘለዎ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/detailsኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1 ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.